ቅድሚ ሃገራዉያንን ሃይማኖታዉያንን ምዃንና ደቂ-ሰባት ምዃን የድልየና

ንሓደ ሰብ ምስ ካልእ ወዲ-ሰብ ብሰላምን ስኒትን ሓቢሩ ክነብር ዝገብሮ’ኮ ወዲ-ሰብ ብምኻኑ’ዩ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ቅድሚ ሃገራዊ፡ ቢሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ኣዉራጃዊ ምዃኑ፣ ቅድመ-ቀዳድም ወዲ-ሰብ ምዃኑ ክርድኦን ክኣምንን ኣለዎ። ሓደ ወዲ-ሰብ፡ እዚ እንተደኣ ተገንዚቡ፣ ፍልልይ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ኣዉራጃ፡ ወዘተ ብዘየገድስ ምስ ዝኾነ ካልእ ሰብ ተኸባቢሩን ብሰላምን ክነብር ኣይእገምን።

ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ኣዉራጃ፡ ወዘተ’ኮ ንወዲ-ሰብ ከገልግሉ ዝተፈጥሩ’ዮም። ደቂ-ሰብ ብምዃንና ጥራይ ክንከባበርን ክንጸዋወርን እንተዘይ ክኢልና፣ ሓደ ሃይማኖት፡ ሃገር፡ ፖለቲካዊ ፓርቲ፡ ቋንቋ፡ ብሄር ወይ ኣዉራጃ ስለ ዘሎና፣ ሓቢርና ብፍቕርን ስኒትን ክንነብር ንኽእል’ና ኢልካ ምሕሳብ ድንቁርና እዩ።

ሰለዚ፡ ሰላም ዝሰፈናን ዲሞክራሲያዊትን ሃገረ ኤርትራ ክንሃንጽ እንተድኣ ኾይንና፡ መጀመርያ ደቂ-ሰባት ምዃንና ክንግንዘብ የድልየና። ኣነ…

--

--

Kibrom T. Sibhatu

I am a scientist interested in studying the dynamic linkages between the environment, agriculture, and food. Occasionally, I write about life and my country, ER