I am a scientist interested in studying the dynamic linkages between the environment, agriculture, and food. Occasionally, I write about life and my country, ER

Hello, world. I am Kibrom T. Sibhatu.

I am an Agricultural, Food, and Rural Development Economist with great interest in the dynamic linkages of human welfare with ecosystem services in response to real global challenges, including deforestation, poverty, food insecurity, hunger and malnutrition, and climate change. My research experience encompasses projects in the Global South, where I…

ለበዳ ኮቪድ-19 ክሳብ ሕጂ (ሚጽዝያ 2 2021) ልዕሊ 130 ሚልዮን ሰባት ለኺፉ ኣሎ። ካብ እቶም ዝተለኽፉ 2.9 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ እንተ ርኢና ክኣ፡ ክሳብ እዚ ጽሑፍ እዚ ዝጸሓፍ፡ 3334 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ዓሰርተ ሰባት ከኣ ሞይቶም ኣለዉ።

ኣህጉር ኣፍሪቃ ብብዝሒን ጻዕቂን ህዝባ (1.3 ቢልዮን ህዝቢ ወይ 18%…

ንሓደ ሰብ ምስ ካልእ ወዲ-ሰብ ብሰላምን ስኒትን ሓቢሩ ክነብር ዝገብሮ’ኮ ወዲ-ሰብ ብምኻኑ’ዩ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ቅድሚ ሃገራዊ፡ ቢሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ኣዉራጃዊ ምዃኑ፣ ቅድመ-ቀዳድም ወዲ-ሰብ ምዃኑ ክርድኦን ክኣምንን ኣለዎ። ሓደ ወዲ-ሰብ፡ እዚ እንተደኣ ተገንዚቡ፣ ፍልልይ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ኣዉራጃ፡ ወዘተ ብዘየገድስ ምስ ዝኾነ ካልእ ሰብ ተኸባቢሩን ብሰላምን ክነብር ኣይእገምን።

ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ኣዉራጃ፡ ወዘተ’ኮ ንወዲ-ሰብ ከገልግሉ ዝተፈጥሩ’ዮም። ደቂ-ሰብ ብምዃንና ጥራይ ክንከባበርን ክንጸዋወርን እንተዘይ ክኢልና፣ ሓደ ሃይማኖት፡ ሃገር፡ ፖለቲካዊ ፓርቲ፡ ቋንቋ፡ ብሄር ወይ ኣዉራጃ ስለ ዘሎና፣ ሓቢርና ብፍቕርን ስኒትን ክንነብር ንኽእል’ና ኢልካ ምሕሳብ ድንቁርና እዩ።

ሰለዚ፡ ሰላም ዝሰፈናን ዲሞክራሲያዊትን ሃገረ ኤርትራ ክንሃንጽ እንተድኣ ኾይንና፡ መጀመርያ ደቂ-ሰባት ምዃንና ክንግንዘብ የድልየና። ኣነ ጓል-ሰብ ምዃንኪ እንተ ተቐቢለክን ኣክቢረክን፡ ንስኺ’ዉን ኣነ ወዲ-ሰብ ብምዃነይ እንተተቀቢልክንን ኣኽቢርክንን፣ ብፍቕርን ስኒትን ሓቢርና ክንነንብር ናይ ሓባር ሃይማኖት፡ ኣዉራጃ ወይ ብሄር ምህላዉ ኣገዳስነት የብሉን።

ሓደ-ሓደ ግዜ ሂወት ኣዝያ ትኸብድን ትመርርን። ካብ መጠን ንላዕሊ ብምኽባዳን ብምምራራን ድማ ምፍጣርና ንጸልእ። ሕጂ ሂወት ከቢዳትና ክትህሉ ትኽእል‘ያ። ንኣብነት፣-

  • ምስ ሓዉና ወይ መቕርብና ተቐራሒንና፥ ንሓርቕ
  • ፈታዊና ወይ ኣማኒና ጠሊሙና፥ ንቕንዞ
  • ብፍላጥ ወይ ብዘይ ፍላጥ ብዝፈጸምናዮ ጌጋታት፥ ንጠዓስ
  • ዕጫ ነባሪ ሕማም ወይ ስንክልና በጺሑና፥ ንሳቐ
  • ዉላድና ዝከኣለና ጌርናሉ ክንስና፡ ናይ…

Kibrom T. Sibhatu

Get the Medium app

A button that says 'Download on the App Store', and if clicked it will lead you to the iOS App store
A button that says 'Get it on, Google Play', and if clicked it will lead you to the Google Play store