ጽልዋታት ኮቪድ-19 ኣብ ስርዓተን ዉሕስነትን መግቢ ኣብ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ
10 min readApr 27, 2021
ለበዳ ኮቪድ-19 ክሳብ ሕጂ (ሚጽዝያ 2 2021) ልዕሊ 130 ሚልዮን ሰባት ለኺፉ ኣሎ። ካብ እቶም ዝተለኽፉ 2.9 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ እንተ ርኢና ክኣ፡ ክሳብ እዚ ጽሑፍ እዚ ዝጸሓፍ፡ 3334 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ዓሰርተ ሰባት ከኣ ሞይቶም ኣለዉ።
ኣህጉር ኣፍሪቃ ብብዝሒን ጻዕቂን ህዝባ (1.3 ቢልዮን ህዝቢ ወይ 18% ናይ ዓለምና ህዝቢ) ንኤስያ ስዒባ ካልአይቲ ትስራዕ። እዚ ድሕረ ባይታት እና ሃለወ ግን፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ 4.4 ሚልዮን ሰባት ጥራይ እዮም ዛጊት ተለኺፎም ከምዘልዉ ወግዓዉያን ጸብጸባት ዝሕብሩ። ብጠቕላላ…